ፕረዚደንት ሶማል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ከምዝተራኸብ ይግለጽ ኣሎ

ፕረዚደንት ሶማል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ከምዝተራኸብ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 07 July 2016

Israsom

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወኪል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ከምዝተዘራረበ ይግለጽ ኣሎ።

ክልቲኦም መንግስታት ብዛዕባ’ዚ ብማዕከናት ዜና ሶማልን እስራኤልን ዝግለጽ ዘሎ ሓበሬታ ብምልክተ ናይ ኣሉታ ይኩን ናይ እወታ ምላሽ ኣይሃቡን።

ይኹን’ምበር ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ብዛዕባ’ቲ ርክብ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ ዘይብልና ሓያሎ ሃገራት ርክባት ኣሎና ካብ ምብላ ሓሊፉ፣ ነዚ ናይ ሶማል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

 

መንነቶም ዝዓቐቡ ሰበ ስልጣን ሶማል’ውን ንማዕከንን ዜና ታይምስ ኦፍ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ፕርዚደንት ሶማል ዝመርሖም ወከልቲ መንግስቲ ምስጢራዊ ዑደት ብምክያድ ምስ መንግስቲ እስራኤል ከምዝተዘራረቡ ጠቒሶም።

መራሕቲ ሶማልን እስራኤልን ምስጢራዊ ርክብ ዘካየድሉ ቦታ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ምዃኑ ሓደ ሓደ ማዕከናት ዜና ይገልጻ እኳ እንተለዋ፣ ካልኦት ከኣ እቲ ርክብ ካብ እስራኤል ወጻኢ ምንባሩ የመልክታ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ሸውዓተ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ካምፓላ ብምርኻብ ክመያየጥ እንከሎ፣ ኣብዚ ርክብ ዘይተሳተፋ መራሕቲ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጅቡትን ሶማልን ጥራይ’ዮም።

ሶማል፣ ሱዳንን ጅቡትን ኣብዚ ናይ ናታንያሁ ዑደት ዘይተጸንበራሉ ምኽንያት፣ ንእስራኤል ከም ሃገር ዘይፈልጣ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብምዃነን’ዩ።

ኤርትራ ኣብዚ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዑደት ዘይተጸንበረትሉ ምኽንያት ግና ኣይተነጸረን።

ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ኤርትራ ምስ እስራኤል ምስጢራዊ ወትሃደራዊ ስምምዓት ኣለዋ ዝብል ስግኣት ከምዘለወን ይገልጻ’የን።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0