ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ዞባ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዘትያ

Radio Erena: 24 November 2021

ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣነት ዌበር፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት እቲ ዞባን ክብርከት ዝግብኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዘትያ።

እታ ፍልይቲ ልእኽቲ ካብ 21 ሕዳር ኣትሒዛ ኣብዘን ሃገራት ኣብ ዘካየደቶ ዑደት፣ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፣ ሚኒስተራት ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ካልኦት ሰበ ስልጣናትን ተመያይጣ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበረ ወትሃደራዊ፣ ጸጥታውን ሰብኣዊ ኩነታትን ወዲቓ ስለትርከብ፣ ሃገራት ምዕራብ ብዘይካ’ቲ ረብሓታተን ድሕነት ዜጋታተን ንምውሓስ ዝገብርኦ ዘለዋ ምንቅስቓሳት፣ ኣብቲ ዞባ ኣንጸላልዩ ንዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው’ውን ቅልጡፍ ሓገዝ ንምብርካት ምስ መሻርኽተን ይዝትያ ምህላወን ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0