‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣርባዕተ ዲፕሎማሰኛታት ኣየርላንድ ሰጕጉ።’ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ

Radio Erena: 24 November 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣርባዕተ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣየርላንድ ከምዝሰጎጕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣየርላንድ፣ ሲሞን ኮቨነይ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ብ24 ሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ሽዱሽተ ኣባላት ካብ ዝነበርዎ ኤምባሲ ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ፣ እቶም ኣርባዕተ ከምዝተሰጎጉ ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣየርላንድ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ እትኽተሎ ኣህጉራዊ ጽምዶ፣ ዋላ’ውን እቲ ናይ ባይቶ ጸጥታ፣ ካብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተፈልየ ከምዘይኮነ መግለጺ ናይቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዲፕሎማሰኛታት ኣየርላንድ ዝሰጎጎሉ ምኽንያት፣ እቲ ሚኒስተር ኣይተጠቕሰን።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0