ፍሉይ ኣሃዱ ሱዳን፣ ምስ ሊብያን ግብጺን ኣብ ዘዳውብ ሰሃራ ኣስታት 600 ስደተኛታት ቀይዱ

ፍሉይ ኣሃዱ ሱዳን፣ ምስ ሊብያን ግብጺን ኣብ ዘዳውብ ሰሃራ ኣስታት 600 ስደተኛታት ቀይዱ

Radio Erena: 01 August 2016

Libya Sudan

ፍሉያት ሓይልታት ሱዳን፣ ምስ ሊብያን ግብጽን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ኣስታት 600 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከምዝቐየዱ ኣዛዚ እቲ ኣሃዱ ኣፍሊጡ።

እቲ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝተባህለ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን፣ ኣብቲ ከባቢ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ገኒኑ ብምህላዉ፣ ብመንግስቲ ብዝተዋህቦ ትእዛዝ መሰረት፣ ምስቲ ኣብ ዳርፉር ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ናብቲ ንሱዳን፣ ሊብያን ግብጽን ዘዳውብ በረኻታት ከምዝተዋፈረ ኣረዲኡ።

ንሱ ናብ ዳርፉር ድሕሪ ምምላሱ ብቀዳም 30 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብቲ ምስ ሊብያን ግብጽን ዘዳውብ ኣል ናኪል ዝተባህለ ክፋል ሰሃራ ተዋፊሮምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፣ ኣስታት 600 ስደተኛታት ክሕዙ እንከለዉ፣ ሓያሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ከምዘፍሸሉ ጠቒሱ።

 

ኣቐዲሙ’ውን እቲ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን፣ ሓይልታቱ ኣስታት 300 ስደተኛታት ከምሓዙ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ሱዳን፣ ኣብቲ ምስ ሊብያ ዘዳውብ ከባቢታት ንዝሓዘቶም ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናብ ዓዶም ትመልስ ምህላዋ’ዩ ዝሕብር።

እንተኾነ መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ’ቲ ብዝቐጻሊ ዘተግብሮ ዘሎ ምምላስ ስደተኛታት ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።

ኣብዘ ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ካልእ ከባቢታትን እታ ሃገር ዝሓዞም ኣስታት 3 ሽሕ ኤርትውያን ከምዘለዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር የረድኡ።

===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0