ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናይ 120 ስደተኛታት ሬሳ ተረኺቡ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናይ 120 ስደተኛታት ሬሳ ተረኺቡ

Radio Erena: 02 August 2016

Libya 120

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናይ 120 ስደተኛታት ሬሳ ከምዝተረኽበ ንከንቲባ ከተማ ትሪፖሊ ሑሰን ጣዋዲ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ከንቲባ ብሰንበት 31 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ካብ ባሕሪ ናብ ገምገም ዝተገፍዐ 53 ሬሳታት ከምዝተረኸብ ኣፍሊጡ።

መንነት ናይቶም፣ ሬሳኦም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣንሳፊፉ ዝተረኽበ ሰባት ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ስደተኛታት ዝጸዓና ሓያሎ ጀላቡ መዓልታዊ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ይብገሳ ምህላወን ዝሓበረ እቲ ከንቲባ፣ እኹል ናይ ሓለዋ ኣሃዱን ዕጥቑን ስለዘየሎ፣ ንምቁጽጻሮም ኣሸግግግጋሪ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

 ኣብዛ ዓመት’ዚኣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝርከብዎም ኣስታት 90 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ገማግም ባህሪ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኢጣልያ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ኣስታት 3 ሽሕ ከኣ ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

ኢጣልያ፣ ንስደተኛታት ኣብ በረኻታት ሊብያ ንምዕጋቶም ምስ መንግስቲ ሊብያ ብወግዒ ዘይተሓበረ ሓያሎ ስምምዓት ከቲማ ከምዘላ’ዩ ዝንገር።

መንግስቲ ሊብያ ብመንገዲ ሱዳንን ቻድን ናብ ሊብያ ንዝኣትዉ ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ኣብ ኩፍራን ካልኦት ከባቢታን ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይቕይዶም ከምዘሎ’ውን ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ ንገሊኦም’ውን ነናብ ዓዶም ወይ ከኣ ካብቲ ዝተበገስሉ ሃገራት ናብ ሱዳንን ቻድን ይመልስ ምህላዉ’ውን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይጠቕሱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብሰንበት 31 ሓምለ ኣስታት ሓድ ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ማሕሪ ድሒኖም ናብ ኢጣልያ ክኣትዉ እንከለዉ ናይ ሓሙሽተ ሰባት ሬሳ ከኣ ከምዝተረኽበ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ኣፍሊጡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0