ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ ተኽእሎታት ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይበጽሕ

Radio Erena: 15 February 2022

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ዳቪድ ሳተርፊልድ፣ ብዛዕባ ተኽእሎታት ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ንምዝርራብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት የካይድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ኢትዮጵያ ተዋፊረን ምስ ዘለዋ ትካላት ግብረ ሰናይን ክመያየጥ ምኳኑ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ ኣነጺሩ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተመዘዘ፣ ዳቪድ ሳተርፊልድ፣ ንኻልኣይ እዋኑ ናብ ኢትዮጵያ ዘምርሕ ዘሎ፣ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣሚና መሓመድ፣ ኣብታ ሃገር ንመዓልታት ዝጸንሐ ዑደት ዛዚማ ምስ ተመልሰት’ዩ።

ኵናት ትግራይ ድግማይ ናብ ክልል ዓፈር ልሒሙ፣ መስመራት ረዲኤት ከምዝዓጸወን 10ታት ኣሽሓት ሰባት ድማ ካብ መነባብርኦም ከምዘመዛበለን ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዘምርሕ ዘሎ።

ንሱ ኣብቲ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝገብሮ ርክባት፣ ንናይ ሰላም ጻዕርታት ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይ ኮንግረስ ኣመሪካ፣ ምስ ኵናት ትግራይን ብሰንኪ ከበባ ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሳኺ እገዳ ንምንባር ዘኽእል ንድፈ-ሕጊ ድምጹ ክህበሉ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

ምምሕዳር ባይደን፣ ኵናት ትግራይ ደው ክብልን ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ኵናት ትግራይ ንዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ድማ ብሓፈሻ፣ ኣብ እገዳ ዝተመርኮሰ ጸቕጢ የካይድ ምህላዉ ይፍለጥ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0