ኣብ ኤርትራ ዳህሳስ ማዕድን ዘካይድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኣልፋ፣ ዘተባብዕ ውጽኢት ምርካቡ ገሊጹ

Radio Erena: 15 February 2022

ኣብ ደቡባዊ ምዕራባዊ ኤርትራ፣ ዳህሳስ ማዕድን ዘካየድ ዘሎ፣ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ ኣልፋ፣ ዘትባብዕ ውጽኢት ምርካቡ ገሊጹ።

እቲ ካብ ጥሪ 2018 ኣትሒዙ ብዝተዋህቦ ፍቓድ ዕደና፣ ኣብ መንጎ ቶኾምብያን ሻምብቆን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከርከሻ ዳህሳስን ኩዕታን ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ፣ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ’ዩ፣ ዑቕር ጸጋታት ብፍላይ ብሉጽ ዓይነት ወርቂ ከምዘሎ ዝገልጽ ወቕታዊ ውጽኢት ስርሑ ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ካብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ፣ ዕደና ወርቂ ይካየድ ምንባሩ ሰነዳት የረጋግጹ።

ብ ‘ኣቡርና ፕሮጀክት’ ዝፍለጥ ዳህሳስን ኩዕታን ማዕድናት፣ ከርከሻን ከባቢኡን ዘጠቓለለ ኣስታት 8 ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ይሽፍን።

ኣብ ኣቡርና፣ ዛጊት ተኻይዱ ዘሎ ዳህሳስ ዘተባብዕ ምዃኑ ዝገለጸ ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ኣልፋ፣ ማይክል ሆፕለይ፣ እቲ ውጽኢት ኣበየናይ ነቑጣታት ብዝያዳ ክንፍትሹ ከምዘኽእሎም ምጥቃሱ፣ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኩባንያ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣመልኪቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0