ፌይስቡክ- ሜታ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተወልዐ ግጭታት ኣብ ምጉህሃር ኣበርክቶ ኔርዎ ብዝብል ተኸሲሱ

Radio Erena: 14 December 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተወልዐ ግጭታት ኣብ ምጉህሃርን ናይ ጽልኢ ዘመተ ኣብ ምስፍሕፋሕን፣ ፌይስቡክ- ሜታ፣ ዝልዓለ ኣበርክቶ ኔርዎ ብዝብል ክሲ ተመስሪትዎ።

እቲ ንክልተ ኢትዮጵያውያን ክኢላታት መጽናዕትን ምርምርን ብምውካል ብኬንያዊ ትካል ጠበቓታት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ዝተመስረተ ክሲ፣ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ንግዳያት ሓቲቱ ኣሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ማሕበራዊ ሜድያ ዝጥቀመሉ ናይ ኣልጎሪዝም ናይ ሜታ መድርኽ ክቕይርን’ውን እቲ ክሲ ይጠልብ።

ፌይስቡክ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ግጭትታት፣ በቲ ዝጥቐመሉ ናይ ኣልጎሪዝም ናይ ምብዛሕ መስርሕ፣ ብዝሒ ተኸታተሊ ከምዝህልዎ ብምግባር ሚልዮናት ዶላራት መኽሰብ ከምዘኻዕበተ፣ ሓንቲ ካብተን ነቲ ክሲ ዘቕረባ ኬንያውያን ጠበቓታት፣ ሜርሲ ሙተሚ ብ14 ታሕሳስ፣ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ።

ኣፈኛ መድረኽ ሜታ ናይ ፌስቡክ፣ ኤሪን ማክፓይክ፣ እቲ ማሕበራዊ ሜድያ፣ ንጽልኢን ጎነጽን ዝዕድም መልእኽታት ምዝርጋሕ ከምዝቓወሞ ብምግላጽ፣ ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘለዎ ክኢላታትን ቴክኖሎጂን ብምውፋር ንምግትኡ ብዝልዓለ ከምዝሰርሑ ምጥቃሱ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ናጻ ባርድ ኣካል እቲ ማሕበራዊ ሜድታ ብወገኑ፣ ኩሉ’ቲ ኣብ እዋን ግጭት ኢትዮጵያ ተባዚሑ ተዘርጊሑ ዝተባህለ መልእኽታት ዳግመ መርመራ ክካየደሉ እማመ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት፣ ሓያል ተቓውሞታት ኣንጻር መንግስቲ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽኣሉ ካብ 2018 ግና ናብ ናይ ብሄር ግጭታት ‘ዩ ዓሪጉ።

ብፍላይ ካብ ሕዳር 2020፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኵናት ድሕሪ ምውልዑ፣ ኣብታ ሃገር፣ ጽልኢን ጎነጽ ዝዕድም መልእኽታት ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ ብብዝሒ ክዝርጋሕ ምጅማሩ ይፍለጥ።

መድረኽ ሜታ ናይ ፉይስቡክ’ውን፣ ምእንቲ መኽሰብ ክብል ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽታት ብምብዛሕን ብምዝርጋሕን፣ ህወይት ኣሽሓት ሰባት ንኽጠፍእ ተሓባቢሩ ዝብል ክሲ’ዩ ተመስሪትሉ ዘሎ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0