ፊንላንድ ኣብ ስልጠና ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝውዕል 1.5 ሚልዮን ዮሮ ሓገዝ ኣበርኪታ

ፊንላንድ ኣብ ስልጠና ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝውዕል 1.5 ሚልዮን ዮሮ ሓገዝ ኣበርኪታ

Radio Erena: 29 January 2015

FinEr

ፊንላንድ ንመንግስቲ ኤርትራ እትገብሮ ዘላ ሓገዝ ክትቕጽሎ ምዃና ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ፊንላንድ ብመንገዲ ፊን ቸርች ኤይድ ዝተባህላ ትካል ስልጠና ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምሃብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ብምወላ መንግስቲ ፊንላድን ክሳብ 2017 ዝቕጽል ናይ መማህራንን ካልእ ላዕለዋይ ደረጃ ስልጠናን ክወሃብ’ዩ።

 

እዚ ሓድሽ ስምምዕ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ፊንላንድ ዝነበረ ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና ዘሓድስ ምዃኑ ሓላፊ ትካል ፊን ቸርች ኤይድ ኣንቲ ፐንቲከይነን (Antti Pentikäinen) ገሊጹ።

እዚ ሓድሽ ስምምዕ ኣብ ማይ ነፍሒ ኣብ ዝርከብ ኮሌጅ ምስልጣን መማህራን ከተኩር ምዃኑ’ውን መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ትካል ጠቒሱ ኣሎ።

ነዚ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ ፕሮጅከት ስልጠና ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ዮሮ ካብ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ተሰሊዕሉ ምህላዉ’ውን ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና የነጽር።

ከም ዝዝከር ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምድናታትን ልምዓት ፊንላንድ ፔካ ሃቪስቶ ኣብ ኤርትራ ክልተ እዋን ዑደት ብምክያድ መንግስቲ ፊንላንድ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘተኮረ ሓገዝ ከበርክት ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ብወገን መንግስቲ ኤርትራ’ውን ነቲ ብመንግስቲ ፊንላንድ ዝቀረበሉ ናይ ሓገዝ መደባት ብእወታ ድሕሪ ምቕባል ንኣተገባብርኡ ብዝምልከት ምስቲ መንግስቲ ንምዝርራብ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ፊንላንድ ዑደት ምክያዱ ኣይርሳዕን።

=================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0