ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ንምዝጋር ዝፈተኑ 17 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 71 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ድሒኖም

ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ንምዝጋር ዝፈተኑ 17 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 71 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ድሒኖም

Radio Erena: 29 January 2015

17Tur

ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ብመንገዲ ባሕሪ ዝሰግሩ ዝነበሩ 17 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 71 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዝደሓኑ ኣገልግሎት ዜና ኩዌት ሓቢሩ።

እቶም ካብ ዝተፈላለያ ኣብ ገማግም ባህሪ ዝርከባ ንኣሽቱ ከተማታት ተበጊሶም ናብ ግሪኽ ንምስጋር ዝሓለኑ ስደተኛታት ነዊሕ ከይተጓዕዙ ብዘጋጠሞም ሓደጋ’ዮም ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ ክኢሎም።

 

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ጥራይ ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ግሪኽ ክሰግሩ ዝሓለኑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኮንጎ፣ ጋቦን፣ ሶርያ፣ ዒራቕን በርማን ዝርከብዎም 286 ስደተኛታት ከምዝሓዘ’ውን እቲ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ።

ቱርኪ ኣብ ልዕሊ’ቶም ነቶም በብእዋኑ ናብ ግሪኽ ንምስጋር ዝሓዘቶም ስደተኛታት እንታይ ስጉምቲ ክትወስድ’ያ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0