ፊንላንድ፣ ዓቕሚ መማህራን ኤርትራን ንምዕባይ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ትሕንጽጽ

ፊንላንድ፣ ዓቕሚ መማህራን ኤርትራን ንምዕባይ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ትሕንጽጽ

Radio Erena: 29 March 2016

Fin

መንግስቲ ፊላንድ ኣብ ምዕባይ ዓቕሚ መማህራ ኤርትራ ዘተኮረ ስልጠና ብዝሰፍሐ መልክዑ ክቕጽሎ ምዃና ገሊጻ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ምትሕግጋዝ ኤርትራን ፊንላንድ’ዩ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ሚኒስተር ትምህርቲ ኤርትራ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፣ ብሓገዝ መንግስቲ ፊንላንድ ኣብዚ 18 ኣዋርሕ ዝተዋህበ ስልጠና ውጽኢታዊ ምንባሩ ብምጥቃስ፣ ፊንላንድ ንእትገብሮ ዘላ ሓገዝ ኣመስጊኑ። 

እቲ ሚኒስተር፣ መንግስቲ ፊንላንድ ብሕጂ ከተግብሮ መዲቡ ብዛዕባ ዘሎ ሞያዊ ስልጠናታትን ካልእ ሓገዝ ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር’ውን ተዘራሩቡ።

 

መንግስቲ ፊንላንድ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትምህርቲ ዘተኮረ ስልጣና ብመንገዲ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ፊን ቸርችር ኤድ’ዩ ዘካይዶ ዘሎ።

ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ስልጠና መማህራን ናይ ልዕሊ 3 ሚልዮን ኤውሮ ባጀት ከምዝሰልዓሉ’ውን ይፍልለጥ።

ኤርትራ፣ ንዘጋጥማ ዘሎ ዋሕዲ ብቑዑቕ ዓቕሚ መማህራን ንምምላእ መብዛሕቶም ካብ ህንዲ ዝርከብዎም ኣስታት 2 ሽሕ ናይ ወጻኢ ሃገራት መማህራን ቆጺራ ምህላዋ ጸብጻባት ትምህርቲ የመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ ብሃገር ደረጃ ብዝኽተሎ ዘሎ ንውትህድርናን ትምህርትን ዝሓናፈጸ ፖሊሲ፣ ንስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን ኤርትራ ከዳኽሞ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ናብ ስደት ናይ ዝወሓዙ መማህራን ብዝሒ’ውን ንብቕዓትን ዓይነትን ትምህርቲ ኤርትራ ሃስዩዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ገሊኡ ክፋላት ሃገርና ክሳብ ኣብያተ ትምህርቲ ንኣዋርሕ ምስንኻልን ምዕጻውን ኣብጺሑ’ዩ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0