ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኣብ ሪያድ ተጋቢኦም

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኣብ ሪያድ ተጋቢኦም

Radio Erena: 29 March 2016

Chief of staff

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይተን ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝኾና ሃገራት ኣብ ሪያድ ኣኼባ ኣካይዶም።

እቲ፣ ብሓለቓ ስታፍ ሰራዊታታት ናይ 34 ኣባላት ሃገራት ተመሪሑ ብ28 ከምኡ ድማ 29 መጋቢት ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ንኣባላት ሃገራት ኣንጸላልዩወን ዘሎ ናይ ሽብነራ ስግኣትን ብምትኳር’ዩ ዘትዩ።

እቲ ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ዝቖመ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ 21 ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰራዊት ዝተሳተፍዎ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ምውዳቡ’ውን ይዝከር።

 

ኤርትራ፣ ደጋፊት ናይዚ ምስ ኩነታት የመን፣ ተኣሳሲሩ ዝቖመ እስላማዊ ኪዳን እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ግና ኣይተሳተፈትን።

ኣባላት እዚ ኪዳን ዝኾና ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሱዳንን ጅቡቲን ክሳተፋ እንከለዋ፣ ኤርትራን ሶማልያን ግና ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊኤን ኣንቢርዎ ብሰንኪ ዘሎ እገዳ፣ ኣብቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘይተሳተፋ’ዩ ዝንገር።

ኤርትራ ኣብዚ ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ኣኼባ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት’ውን ከምዘይተሳተፈት ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0