ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ንኤርትራውያን ዝወሃብ ዑቕባ ክጸብብ ወሲኑ

ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ንኤርትራውያን ዝወሃብ ዑቕባ ክጸብብ ወሲኑ

Radio Erena: 13 July 2018

Swiss Eritrea

ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ንኤርትራውያን ዝወሃብ መሰል ዑቕባ ውሱንን ጸቢብን ክኸውን ኣጽዲቑ።

እቲ ቤት ፍርዲ ትማሊ ሓሙስ 12 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ፣ መሰል ዑቕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክድረት ዝብል ክልተ ውሳኔታት ብምድጋፍ’ዩ ኣጽዲቕዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተዋህበ ክልተ ውሳኔታት፣ ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምውጻእ ይኹን ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምህዳም፣ መሰል ፖለቲካዊ ዑቕባ ከውህብ ብቑዕ ምኽንያት ከምዘይኮነ’ዩ ደምዲሙ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ቤት ፍርዲ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝወድኡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ዝኾነ ጸገም ክበጽሖም ኣይክእልን’ዩ ብዝብል ውሳኔ፣ ንኣማኢት ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ንምጥራዞም መደብ ከምዘሎ ዝእንፍት ብይን ምሃቡ ኣይርሳዕን።

ድሕሪ’ዚ ውሳኔታት እዚ፣ ግዝያዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣስታት 3200 ኤርትራውያን፣ መንበሪ ፍቓዶም ከይሕደስ ተኣጓጊሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ስዊዘርልናድ፣ ምስዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓሲሉ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁ፣ ዘቕረብዎ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝኽእሉ ዝእንፍት ውሳኔ ቤት ፍርዲ ምህላዉ’ውን ማዕከና ዜና rts ካብታ ሃገር ይሕብር።

ይኹን’ምበር ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ምልካዊ ስርዓትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ደኣ’ምበር ካብ ኵናት ምስ ኢትዮጵያ ዝሃደሙ ኣይኮኑን ብምባል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጥርዓኖም ናብቲ ኣብ ከተማ በርን ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከቕርቡ ምዃኖም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

ስዊዘርላንድ፣ 9,400 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ መደብ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቶም 3,200 ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተቐመጡ’ዮም።

መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ን200 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሃገሩ ክወጹ ዝሕብር ወረቓቕቲ ሰዲድሎም ከምዘሎ ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0