መንግስቲ ኤርትራ፣ ብስም’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኵነታት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብል ጻውዒት ቀሪቡ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብስም’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኵነታት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብል ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 13 July 2018

Journalists in prison

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብስም’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኣይሰላም ኣይኵናት ሃዋሁ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብል ዝተፈላለዩ ተጠብቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይጽውዑ።

እቲ መንግስቲ’ዚ ኣብዚ 20 ዓመት ብስም እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ናይ ጸጥታን ሃገራዊ ጉዳይን፣ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጉንዎም ዝርከብ ኣሽሓት ኤርትራውያን ክፈትሕ’ውን ምሕጽንታ ይቐርብ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ባድመ ከይስሓበት ተባሂሉ፣ ዕድመ ንእሰነቱ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበሊ ዘሎ መንእሰይ፣ ዝፋነወሉ ናይ ግዜ ገደብ ንህዝቢ ክእውጅን እቲ በቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ብተወሳኺ የተሓሳስብ።

እቲ ኣውራ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ናብ ዝነብሮ ስሩዕ ግዜ ክምለስ’ውን ተላብዮም።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ኵናት ኣኽቲሙ ምህላው ብወግዒ ዝኣወጀ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብስም እቲ ኵናት ተማኻንዩ ደስኪሉ ዝርከብ ጉዳይ ትግባረ ቅዋም፣ ሃገራዊ ባይቶን፣ ደሞክራስያዊ ምርጫን’ውን ብዝቐልጠፈ ንህዝቢ ክሕበር ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ብተብተብ ናብ ኵናት ብምእታው ኣስታት 120 ሽሕ ህዝቢ ዘህለቑ፣ ሕጂ ድማ ብተበተብ ሰላም ኣዊጆም እኳ እንተለዉ፣ ካብ ክልቲኡ ወገናት ሓያሎ ስክፍታታት ይውሕዝ ኣሎ።

ብፍላይ ብወገን ኤርትራ፣ ሃገራዊ ባይቶ የብሉ፣ ፈጻሚት ሽማግለ፣ ብሓደ ሰብ ዝውነን ናይ ውልቂ መንግስቲ ጥራይ ብምዃኑ፣ እቲ ሻቕሎት ብዝያዳ ይዓዝዝ።

ህዝቢ፣ ነዚ ብመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኣዊጁ ዘሎ ሰላም፣ ሓጎሱ ኣብ ምግላጽን ኣብ ፈንጠዝያን እኳ እንተሎ፣ ዘይምህላዎም ኣውራ ጠንቂ ብርሰት ሃገርን ስደት ህዝብን ዝኾኑ መሰረታውያን ጉዳያት፣- ትግባረ ቅዋም፣ ምፍታሕ እሱራት፣ ምጥያስ ሰራዊት፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ግዜ ገደብ ምግባርን ምትካል ትካላዊ ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ብዓውታ ክሓተሎም ግዜ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሕዎ ዘለዉ ሓበሬታታት የዘኻኽሩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብፖለቲካ፣ እምነት፣ ፕረስ፣ ስግረ ዶብን ካልእ ዝተፈላለየ ጉዳያት ብዝተሓሓዝ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሕጋዊ መስርሕን ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ ሃለዋቶም ጠፊኡ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0