ፈረንሳ 160 መሳጊድ ክትዓጹ’ያ

ፈረንሳ 160 መሳጊድ ክትዓጹ’ያ

Radio Erena: 08 December 2015

France Mos

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ከም መሳጊድ ክጥቐምሉ ዝጸንሑ 160 ቦታታት ክዕጾ ምዃኑ ዝግለጸሉ ዘሎ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ስለዘይተመዝገበ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ፈረንሳ ነዚ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝግደድ ዘሎ፣ ሓደ ሓደ ኣብያተ መሳጊድ፣ ነታ ዝተፈላለየ እምነታትን ህዝብታትን ሓቑፋ እትርከብ ፈረንሳ ንምትፍናን ዝዕልም ኣስተምህሮ ይህባ ስለዘለዋ ምዃኑ’ውን ተዓዘብቲ ርእይቶታቶም ይልግሱ።

ኣብ ፓሪስ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ክልተ እዋን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምክያዱ፣ እታ ሃገር ኣብ መዳይ ጸጥታ ሃጓፍ ከምዘለዋ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን፣ ነዚ ንምሕያል መንግስቲ ናይ 3 ኣዋርሕ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋጌ ከምዝኣወጀ ይዝከር።

 

ኣብዚ 3 ኣዋርሕ፣ ብሽበራ ዝተጠርጠረ ውልቀ ሰብ ይኹን መንበሪ ቤት ብዘይፍቓድ ባናይ ቤት ፍርዲ ክሕተትን ክፍተሽን ዝፈቕድ’ዩ።

ካብ ሶርያ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታትን ሽበራን ተተሓሒዙ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ የማናውያን ሰልፍታት ፈረንሳን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን፣ ምስፍህፋሕ ኣብያተ መሳጊድ ምቁጽጻር ክግበረሉ’ዮም ዝሓቱ ዘለዉ።

ፈረንሳ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 13 ሕዳር ዘጋጠም ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ሰለስተ መሳጊድ ክትዓጹ እንከላ፣ ኣብዚ ዝቕጽል ኣዋርሕ ከኣ 160 ኣብያ መሳጊድ ክትዓጹ’ያ።

እዚ መንግስቲ ፈረንሳ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ምዕጻው መሳጊድ፣ ምግሃስ መሰል ሃይሞኖት’ዩ ክብሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኹንኑ።

እንተኾነ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ነተን ብሕጋዊ መንገዲ ዘይተመዝገበ፣ ኣመንቲ ብዘይፍቓድ ምምሕዳር ባዕላቶም ዝኸፈትዎ ኣብያተ ጸሎት፣ ስለዝኾነ ክዓጽዎ ሕጋዊ ስልጣን ከምዘለዎ’ዩ ዝማጎት።

ኣብ ፈረንሳ፣ ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታዊ ይኹን ሲቪካዊ ማሕበር ንምቋም ካብ መንግስቲ ፍቓድ ምርካብ የድሊ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0