ፈረንሳ፣ ኣብ ጅቡቲ ፍሉይ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይዳ

ፈረንሳ፣ ኣብ ጅቡቲ ፍሉይ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይዳ

Radio Erena: 12 August, 2014

French Djibouti

ፈረንሳ፣ ኣብ በረኻታት ጅቡቲ ወትሃደራዊ ልምምድ ከተካይድ ከምዝቐነየት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ፈረንሳ ኣብ በረኻታት ጅቡቲ ከተካይዶ ዝቐነየት ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ብቐንዱ ነተን ሓደስቲ ዝሰርሓተን ወትሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ንምፍታን ምንባሩ’ዩ ተገሊጹ።

እቲ ሓደ ወርሒ ከምዝወሰደ ዝተገልጸ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ነተን ልዑል ሙቐትን ደሮናን ንምጽዋር ተባሂለን ዝተሰርሓ ሓድሽተ ሄሊኮፕተራት ፈረንሳ፣ ዒላማ ናይ ምጫማትን ካብ ራዳር ናይ ምስዋርን ዝኣመሰለ ናይ ተኵስን ምክልኻልን ዘጠቓለለ ምንባሩ ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ኣፍሊጡ።

 

እተን ነፈርቲ ኣብቲ ዝተኻየደ ልምምድ ብቕዓተን ስለዝተረጋገጸ ድማ፣ ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣትሒዘን ፈረንሳ ኣብ እተካይዶ ወትህደራዊ ስርሒታት ክዋፈራ’የን።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0