ፈረንሳ ኣብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ንዝነበሩ ስደተኛታት ብምድሓና፣ ምስ ኢጣልያ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣትያ

Radio Erena: 13 November 2022

ፈረንሳ፤ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንልዕሊ 20 መዓልታት ተገቲኦም ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ወደባ ክትቅበሎም ምውሳና፤ ምስ ኢጣልያ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ቁሩቁስ ምእታዋ፤ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ገሊጸን።

መንግስቲ ኢጣልያ ነታ 234 ስደተኛታት ዝጸዓነት ናይ ህይወት ኣድሕን መርከብ፤ ኣብ ክሊ ማያቱ ንልዕሊ 20 መዓልታት እኳ እንተጸንሐት፤ ናብ ኢጣልያ ከይትኣቱ ከልኪሉዋ እዩ ጸኒሑ።

ፈረንሳ ነቶም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ 234 ሰባት ኣብ ዝተቐበለትሉ፤ ህጹጽ ሕክምናዊ ረዲኤት ንዘድልዮም ግዳያት፤ ብኡ ንብኡ ናብ ሆስፒታል ከምዝውሰዱ ገይራ።

ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዋ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ መሎኒ ነቶም ስደተኛታት ንሞት ከምዝፈረደቶም ክትግንዘብ ይግባእ። እዚ ከኣ ኣንጻር ኣህጉራዊ ሕጊን ንባህልን ልምድታትን ሃገራት ኤውሮጳ ዝጥሕስን እዩ፤ ክትብል እያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ካተሪን ኮሎና ነቐፌታኣ ኣቕሪባ።

ንሳ ምስ ‘ለ ፓሪዚያን’ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመጠይቕ፤ እቲ ብኢጣልያ ዝተወስደ ስጉምቲ፤ ሰብኣውነት ዝጎደሎ እዩ ብምባል፤ ብጆርጂያ መሎኒ እትምራሕ ዘላ ኢጣልያ በዚ መንገዲ’ዚ እንተቐጺላ፤ ሓደገኛ ሳዕቤን ክኽተላ ምዃኑ ኣጠንቂቓ።

ጆርጂያ መሎኒ ብወገና ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፤ ፈረንሳ ብዛዕባ ሓደስቲ ዝመጹ ስደተኛታት ሓላዪት ክትመስል ምፍታና ሞራላዊ ባይታ የብላን፤ ኢጣልያ ከኣ ካብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ብጻዕቂ ስደተኛታት ክትሳቐይ ጸኒሓያ፤ ብምባል እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈነወ ነቐፌታ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ።

እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ዜጋታት ኣየኖት ሃገራት ምዃኖም ብወግዒ እኳ እንተዘይተገልጸ፤ 44 ካብኣቶም ብዘይ ኣላዪ ዝጎዓዙ ዝነበሩ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0