ፈረንሳ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝውዕል ልዕሊ 700 ሽሕ ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ

ፈረንሳ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ልዕሊ 700 ሽሕ ዶላር ዶላር ከምዘበርከተት ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ፈረንሳ ነቲ ልዕሊ 740 ሽሕ ዶላር ዝተገመተ ናይ ገንዘብ ረዲኤት፣ ነቶም ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ደቂንስትዮን ከምኡ ድማ ዝያዳ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ክውዕል’ዩ።

 

ፈረንሳ ነቲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝሰልዓቶ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኤውሮ ገንዘብ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከብ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ያ ብ26 ሕድራ ብመንገዲ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደራ ብኽታማ ዘጽደቐቶ።

ፈረንሳ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ነቲ ገንዘብ ከተበርክት ዝወሰነ፣ ድሕሪ’ቲ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ዘህለቐ ናይ ላምፔዱሳ ሓደጋ፣ ነቶም ካብ ውልቀ ምልክን ግዱድ ውትህድርናን ዝሃድሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ብዛዕባ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ ምስ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ምዝርራብ’ያ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ሎራ ፋብዩ፣ ብዛዕባ እዚ ናይ ኤርትራውያን ጉዳይ ብዝምልከት’ውን ድሕሪ’ቲ ሓደጋ ላምፔዱሳ ዘጋጠመሉ ቅንያት ኣብ 19 ጥቕምቲ ምስ ኮሚሽነር UNHCR ኣንቶንዮ ጉተረዝ ከምእተዘራረበ ተፈሊጡ።

ፈረንሳ፣ ሓንቲ ካብተን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝህባ ዘለዋ ሃገራት ኮይና፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ብልዕሊ 60 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

ማዕከናት ዜና ፈረንሳ’ውን በብእዋኑ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ዜጋታትን ዘተኮረ ሓያሎ ጸብጻባት የቕርባ ምህላወን ይፍለጥ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0