ምስ ሕሰም መነባብሮ ብዝተሓሓዝ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ምንዝርና እናገነነ መጺኡ

ኣብ ከተማታት ኤርትራ ምስ ዝርአ ዘሎ ሕሰም መነባብሮ ዝተተሓሓዘ ምንዝርና እናገነነ ይመጽእ ምህላዉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብ ጎደናታት ኣስመራ፣ ከባቢ መርካቶን ማእከል ሹቕን ብፍላይ ድሕሪ ሰዓት ሰሞንተ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ምንዝርና ንኽዋፈራ ዝተዳለዋ ብዝሒ ደንቂስትዮ ከምዝርኣያ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ እዚ ተርእዮ’ዚ ኣብ ካልኦት ከተማታት’ውን እናገነነ ይመጽእ ምህላዉ ኣፍሊጦም።

 

ፖሊስ ነተን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ደው ኢለን እብ ምንዝርና ዝተዋፈራ ደቂንስትዮ ሳሕቲ ዝገፍወን እኳ እንተኾኑ፣ ጠንቒ እቲ ምንዝርና ግና ብቐንዱ ናይ መነባብሮ ሕሰም ብምዃኑ፣ እዚ ማሕበራዊ ጸገም ፍታሕ ከይረኸበ ምንዝርና ብፖሊስ ብዝካየድ ግፋ ክፍታሕ ከምዘይክእል’ውን ኣገንዚቦም።

ቅድሚ ሕጂ ምንዝርና ዘይዝውተረሎም ዝነበሩ ከተማታት መንደፈራን ዓዲዃላን’ውን በዚ ሓድሽ ተርእዮ’ዚ ተጸልየን ምህላወን ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ጠንቒ’ዚ ጎሊሑ ዝርአ ዘሎ ምንዝርና ሕሰም መነባብሮ ምዃኑ ኣረዲኦም።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0