ፈረንሳ ንኢትዮጵያ ክትህቦ ዝመደበት ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ኣቢላ

Radio Erena: 15 August 2021

ፈረንሳ ንኢትዮጵያ ክትህቦ ዝመደበት ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለቶ ተገሊጹ።
ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፣ ስሞም ክጥቀሱ ካብ ዘይደለዩ ዲፕሎማስያዊያን ምንጭታቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ፈረንሳ ኣብ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትጻወቶ ዝመደበት ተራ ምስዚ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝተኣሳሰር ምኽኒያት ደው ኢሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ከምዝፍለጥ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2019 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝኸተሞ ስምምዕ፣ ፈረንሳ ናይ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ባጀት ብምስላዕ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከተቕውምን፣ ወተሃደራዊ ስልጠናታት ክትህብን ዝብል ይርከቦ።
ድሕሪ’ዚ ስምምዕ፣ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ሻርቡግ ኣብ ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳን ካልእ ወተሃደራዊ ንቑጣታትን ብምብጻሕ ተመኩሮ ከምዝቐስሙ ተገይሩ እዩ።
እንተኾነ ካብ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ መንገዲ ኣብ ምንዳይ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፣ ነቲ መንግስቲ ዝወሃብ ዝኾነ ወተሃደራዊ ሓገዝ፣ ንኲናት ንምቕጻል ምትብባዕ ከይከውን ብምባል ሰበስልጣን ፈረንሳ ተቓውሞታቶም ከስምዑ ጸኒሖም።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ህወሓትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ-ሸኔን ምስምሞዖም፣ ‘ትጽቢት ዝተገብረሉ እዩ’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምላሽ ሂቡ።
ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣንጻራዊ መሳርዕ ቆይሞም ሓድሕድ ክዋግኡ ዝጸንሑ’ዞም ክልተ ሓይልታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ፍልልያቶም ኣወጊዶም ነቲ ‘ናይ ሓባር ጸላኢ’ ዝበሉዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክቃለሱዎ ምስምሞዖም ብወግዒ ገሊጾም እዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ’ዞም ክልተ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ክጽበዮ ዝጸንሐ ከምዝኾነን፣ ህወሓት ንነኣሽቱ ጉጅለታት እንዳዕጠቐ ከም መሳርሒ ከምዝጥቀመሎም ምግባር ዝጸንሐ ሜልኡ’ዩ ኢሉ።
ስምምዕ ህወሓትን ኦነግ-ሸኔን፣ ካብ ወተሃደራዊ ዝያዳ ዲፕሎማስያዊ መኽሰብ ንህወሓት ምዃኑ ዝጠቕሱ ተንተንቲ ፖለቲካ’ታ ሃገር፣ ህወሓት፣ ብህዝቢ ኦሮሞ ተቐባልነት ንምርካብ ደኣምበር፣ ካብቲ ብደረጃ ውዳቤኡን ሓይሉን ብዝተዓጻጸፈ ዝንእሶ ሓይሊ፣ ካልእ ጥቕሚ ክህልዎ ኣይክእልን ክብሉ ይገልጹዎ።
መራሒ ዕጡቕ ሓይሊ ሸኔ፣ ‘ኣብ ፖለቲካ ቀዋሚ መሓዛ፣ ወይ ቀዋሚ ጸላኢ የለን’ ብምባል፣ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝነበሮ ኣረኣእያ ለውጢ ከምዝገበረ፣ ንኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ቃሉ ሂቡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0