ሱዳን፣ ካብ ቱርኪ ዝተራቐቐ ወተሃደራዊ ተክኖሎጂ ዝውንን ኣጽዋር ክትገዝእ ከምእትደልይ ገሊጻ

Radio Erena: 15 August 2021

ሱዳን፣ ካብ ቱርኪ ዝተራቐቐ ወተሃደራዊ ተክኖሎጂ ዝውንን ኣጽዋር ክትገዝእ ከምእትደልይ ተገሊጹ።
ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ቱርኪ ዑደቱ ዛዚሙ ንሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፣ ምስ ቱርካዊ መዘንኡ ጣይብ ኤርዶዋን ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዓት ከምዝፈረመ ገሊጹ።
ኣብቲ ርክብ፣ ንቁጠባ፣ ሕርሻ፣ ሜድያን ጸዓትን ብዝምልከት ምትሕግጋዛት ክፍረም እንከሎ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ሸነኽ ከኣ፣ ሱዳን ብተክኖሎጂ ዝተራቐቐ ኣጽዋርን መፍረዪዩ ትካላትን ካብ ቱርኪ ክትሕገዝ ከምእትደልይ ምግላጹ፣ ኣልቡርሃን ሓቢሩ።
ክሳብ መወዳእታ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ንግዳዊ ልውውጥ ቱርኪን ሱዳንን ክሳብ 480 ሚልዮን ዶላር ይበጽሕ ኔሩ።
ኣብ መጀመሪያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፣ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ርክብ፣ ሃገሩ ጸጥታን ርግኣትን ኢትዮጵያ ከምዘገድሳን፣ ዘድልይ ድጋፍ ንምግባር ድልውቲ ምህላዋን ምግላጹ ይዝከር።
ብኻልእ ወገን፣ ኣብቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕበን ዘሎ ከባቢ ዶባት፣ ሓንቲ ናይ ስለያ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኢትዮጵያ፣ ብሰራዊት ሱዳን ተሃሪማ ከምዝተሓምሸሸት ተገሊጹ።
ወተሃደራውያን ምንጭታት ሱዳን ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓበሬታ፣ ኣብቲ ዘከራኽር ዘሎ ከባቢታት ኣልፋሽጋ፣ ክትዝንብይ ዝተረኽበት ሰብ ኣልቦ በራሪት ክሊ ኣየር ሱዳን ጥሒሳ ብምእታዋ፣ ከምዝተሃርመት ኣመልኪቶም።
ነዚ ብስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ሱዳን ዝተዋህበ ሓበሬታ፣ ካብ መንግስቲ ሱዳን ኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0