ፈረንሳ፣ ዋዕላ ወፍሪ ሱዳን ከተእንግድ ቅርብቲ ከምዘላ ገሊጻ

Radio Erena: 03 October 2019

ፈረንሳ፣ ቁጠባዊ ሱዳን ንምሕዋይ ዝሕግዝ ዋዕላ ወፍሪ ከተንእግድ ቅርብቲ ከምዘላ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶቕ ተራኽቡ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ማክሮን ኣብቲ ርክብ፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ እንተተላዒሉ፣ ፈረንሳ ነቲ ዋዕላ ከምእተእንግድ ኣረጋጊጹ።

ፈረንሳ፣ ንመስርሕ ምስግጋር ደሞክራሲ ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ፣ ናብ ካርቱም ከምዝልኣኸት ይዝከር።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ኢቭ ለ ድርያ፣ ኣብ ናይ ሱዳን ዑደቱ ምስ ዝተፈላለዩ ስበ ስልጣን እታ ሃገር ድሕሪ ምርኻቡ፣ ሃገሩ ናይ 60 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ክትህብ ምዃና ተመባጺዑ’ዩ።

ኣብ ልዕሊ ሱዳን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክልዓል’ውን ፈረንሳ እጃማ ከምእተበርክት ጠቒሱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶቕ ናብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ካብ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ዕድመ ቀሪቡሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0