ሓሙሽተ ተጻወታ ዑቅባ ንምሕታት ዝተሰውሩ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብኬንያ ተሳዒራ

Radio Erena: 02 October 2019

ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ኣብ ናይ ፍርቂ ፍጻሜ ግጥም ዝተራኸበት ሃገራዊት ጋንታ 1 ብ 0 ተሳዒራ።

ብ “ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ” እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ብሰሉስ 1 ጥቅምቲ ሓሙሽተ ካብ ወሰንቲ ተጻወታ፣ ዑቕባ ንምሕታት ድሕሪ ምስዋሮም፣ ምስ ኬንያ ዝነበራ ግጥም ጸልዩዋ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ንኤርትራ ብጸቢብ ስዒራ ናብ ናይ ፍጻሜ ግጥም ዝሰገረት ኬንያ፣ ንዋንጫ ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት መን ወሰደ ምስ ‘ታ ንሱዳን ስዒራ ዝሓለፈት ታንዛንያን ክትራኸብ’ያ።

ኣብ 5 ጸወታታት ናይዚ ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት፣ ብድምር 16 ሸቶታት ዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ብዘገምታ ጀሚሩ ጽቡቕ ግስጋሰ ከተርኢ’ያ ጸኒሓ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0