ፈረንሳ፣ ክሊ ኣየር ሕቡራት ኢማራት ካብ መጥቃዕቲ ውሑስ ንምግባሩ ክትተሓጋገዝ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 07 Febraury 2022

ፈረንሳ፣ ካብ ሑቲ ናይ የመን ንዝፍኖ መጥቃዕታት ንምክልኻል፣ ንክሊ ኣየር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ከተውሕስ ምዃና ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ክሊ ኣየር ሕቡራት ኢማራት ካብ ናይ ሚሳይል መጥቃዕታት ውሑስ ንምግባሩ፣ ስርዓተ ምክልኻል ጸረ-ሚሳይላት ንምሕያል ምስታ ዓረባዊት ሃገር ከምዝተሰማምዑ’ዩ ኣነጺሩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ንምዕባይ፣ 80 ነፈርቲ ውግእ ካብ ፈረንሳ ክትሽምት ምዃና ኣረጋጊጻ’ያ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021፣ ናብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ምስ መራሒ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሸኽ ዛይድ ኣልናህያን፣ ናይ ኣስታት 19 ቢልዮን ዶላር ወትሃደራዊ ስምምዕ ከምዝኸተሙ ይዝከር።

ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንክሊ ኣየር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምጥሓስ፣ ናይ ድሮንን ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ምክያዱ፣ ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ወትሃደራዊ ሻቕሎት ሸሚሙዋ ምህላዉ ይግለጽ።

ብኢራን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ሑቲ፣ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝጀመሮ መጥቃዕታት ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ዘጠንቅቕ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0