ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሰንፈላል እትርከብ መርከብ፣ ንኽትልዓል ዝተኻየደ ዘተ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 08 Febraury 2022

ካብ 2017 ኣትሒዛ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብዘይዋና ተንሳፍፍ ዘላ መርከብ፣ ዝጸዓነቶ ኣስታት ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ ካልእ መርከብ ንምግዓዙ፣ ምስ ሑቲን መንግስቲ የመንን ዝተኻየደ ዘተ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እታ ሞተራታ ደው ኢሉ፣ ነዳዲ ከተልሑኽ ከምዝጀመረት እትግለጽ መርከብ፣ ንክሊ ማያት ኤርትራ እትርከቦ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክይበከለት ክትልዓል ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ክዕወት ኣይከኣለን።

ወኪል ናይቲ ናብ የመን ዝቐንዐ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣፍደገ ዝኸፈተ ሕቡራት ሃገራት፣ ዳቪድ ግረስሊ፣ ብ5 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ምስ ክልቲኦም ወገናት የመን ዝተኻየደ ዘተ እወታዊ ምንባሪ ጠቒሱ።

መንግስቲ የመን፣ እቲ ነዳዲ ናብ ካልእ መርከብ ክግዕዝ ኣብ ዝብል ነጥቢ ክሰማማዕ እንከሎ ሑቲ ድማ፣ ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ብሕቡራት ሃገራት ንዝተወስደ ተብግሶ ዘለዎ ደገፍ ምግላጹ ኣነጺሩ።

እታ ን5 ዓመታት ብዘይዋና ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ የመን እተንሳፍፍ ዘላ መርከብ፣ ንኽትልዓል ወይ ንኽትጽገን ክቐርብ ዝጸንሐ ጻውዒት፣ ሑቲ ንዋንነት ናይቲ ጽዒናቶ ዘሎ ነዳዲ ብምጥላብ፣ ዕንቕፋት ክገብር ምጽንሑ’ዩ ዝውቐስ።

ሑቲ፣ ኣብ 2015 ንዝበዝሐ ክፋል ገማግም ወደብ ሖደይዳ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ፣ እታ ዋንነት መንግስቲ የመን ዝነበረት FSO Safer ነዳዲ እትመላልስ መርከብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዋ ‘ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ ነዊሕ ከየገልገለት ኣብ 2017፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና ካብ ወደብ ሖደይዳ ኣብ ዝተበገሰትሉ፣ ደው ኢላ ምንቅስቓስ ስኢና።

ሑቲ እቲ ነዳዲ ወይ ድማ ኣስታት 80 ሚልዮን ዝግመት ዋጋ እቲ ነዳዲ ክምለሰሉ ክሓትት እንከሎ፣ ዝበዝሐ ኣካል ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ብወገኑ ተመሳሳሊ ጠለብ ‘ዩ ኣቕሪቡ።

እታ መርከብ እንተተፈንጂራ ወይ ጽዒናቶ ዘላ ነዳዲ ብምልኡ እንተ ሊሒዅ፣ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ፣ ጂቡቲን፣ የመንን ስዑዲ ዓረብን ገዚፍ ናይ ኣከባቢ ብከላ ከስዕብ ከምዝኽእል ግሪን ፒስ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ኣከባቢ የጠንቅቕ።

ምብካል ኣከባቢ ‘ቲ ክሊ ባሕሪ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ገማግሙ ንዝነብሩ ገፈፍቲ ዓሳ እዘን ሃገራትን ተፈጥሮን ዝህልዎ ቀጥታዊ ሳዕቤን፣ ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን ናብ የመን ንዝጽግዓ መራኽብ’ውን ከሰናኽለን ምዃኑ ይግለጽ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0