ፈረንሳ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነበራ ብዝሒ ዲፕሎማሰኛታታ ክትቕንስ’ያ

ፈረንሳ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዋፊራቶም ዝጸንሐት ዲፕሎማሰኛታት ክትቕንሶ ምዃና ኣፍሊጣ።

ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ነዚ ዘፍለጠ፣ ኣብተን ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝሒ ዲፕሎማሰኛታት ዘድልዮ ጽዑቕ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ስለዘየለ’ዩ።

 

ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ፣ ላይበርያ፣ ጋምብያ፣ ኬፕ ቨርደን ጊኒ ቢሳውን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ውሑዳት ዲፕሎማሰኛታት ጥራይ እኳ ኣዋፊራ እንተላ፣ ነዚ’ውን መሊሳ ክትቕንሰሉ ምዃና’ያ ትገልጽ ዘላ።

ኣብ ክንድኡ ድማ ኣብተን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ዝካየደለን ዘሎ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ተወሰኽቲ ዲፕሎማሰኛታት ንምውፋር ወጢና ምህላዋ ትሕብር።

ፈረንሳ ድሕሪ ኣመሪካን ቻይናን እታ ኣብ ዓለም ዝበዝሑ ዲፕሎማሰኛታት ኣዋፊራ ዘላ ሃገር ምዃና ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዝልዓለ ክነጥፈሉ ዝጸንሐ ጉዳይ፣ ነቲ ብኣልሸባብ ተታሒዙ ዝነበረ ኣባል ስለያ ፈረንሳ ንምልቓቕ’ዩ።

ዲፕሎማሰኛታት ፈረንሳ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሶማል ዝተታሕዘ ኣባል ስለያ ፈረንሳ ንምልቓቑ ዘካይድዎ ዝነበሩ ጻዕሪ፣ ፈረንሳ ወትሃደራዊ ስርሒት ብምክያድ ክትፈትሖ ብምፍታና ከምዘይትዓወተ እቲ ንክልተ ዓመታት ብኣልሸባብ ተታሒዙ ዝነበረ ኣባል ስለያ ፈረንሳ ድማ ኣብቲ ስርሒት ከምእተቐትለ ኣይርሳዕን።

ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ድማ ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ቆላሕታ ዛሕቲሉ፣ ናብ ምቕናስ ዲፕሎማሰኛታት ተማዕዱ ኣላ።
================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0