ፈረንሳ፣ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘተኮረ ርሱን ክትዓት ይካየድ

Radio Erena: 22 October 2019

ኣብ ፈረንሳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘተኮረ ርሱን ክትዓት ይካየድ ኣሎ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢማኑኤል ማክሮን፣ ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ከይኣትዉ ዝኽልክል ተሪር መርገጺ ከምዘለዉ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ፣ ኣብ መንጎ ኣባላት ሰልፉ ምብትታን ተራእዩ ኣሎ።

ነቲ ፕረዚደንት ክሕዙ ዝጸንሑ ሓያሎ ፖለቲከኛታት’ውን፣ ናብ የማናዊ መርገጺ ዛዝዩ እናበሉ ይነቕፍዎ ኣለዉ።

ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብደረጃ ሃገር ዘካትዕ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ድማ፣ ውሳኔ ክወሃቦ ኣብ ፓርላማ ፈረንሳ ናብ ዘተ ቀሪቡ ይርከብ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝጸንሖ መርገጺ እናኽረረ ይመጽእ ብምህላዉ፣ ናብዛ ሃገር ዝኣትዉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ናይ ዑቕባ መስርሖም ተደናጉዩ፣ ብዘይመጽለሊ ኣብ ጎደናታትን ትሕቲ ቢንቶታትን ክነብሩ ይግደዱ ኣለዉ።

እዚ መንግስቲ ፈረንሳ ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ፣ ሰብኣውነት ዝጎደሎን ንመትከል ሪፖብሊካዊት ፈረንሳ ዝጻረርን’ዩ እናበሉ ተጠብቕቲ ሰብዊ መሰላት ይነቕፍዎ ኣለዉ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0