ሱዳን፣ኣብ እዋን ተቓውሞ ንዝተፈጸመ ቅትለት ሰልፈኛታት እተጻሪ ኮሚተ ቆይማ

Radio Erena: 22 October 2019

ሱዳን፣ ስርዓት በሺር ድሕሪ ምውዳቑ፣ ኣንጻር ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ንዝተፈጸመ ቅትለት ሰልፈኛታት እተጻሪ ኮሚተ ቆይማ።

እታ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶቕ ቆይማ ዘላ ኮሚተ፣ ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተፈጸመ ቅትለት 10ታት ሱዳናውያን ሰልፈኛታት፣ መን ፈጺምዎ፣ ካብ ዝኾነ ኣካል ምትእትታው ናጻ ብዝኾነ መስርሕ መርመራ ከተካይድ’ያ።

እታ ካብ 21 ጥቅምቲ ብወግዖ ስርሓ ጀሚራ ዘላ ኮሚተ፣ ንሰበ ስልጣን፣ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን፣ ትካላት ሕክምናን ናይ ዓይኒ መሰኻክርን በብውልቂ እናረኸበት መርመራን ክጽራይን ክትግበር ንሰለስተ ወርሒ ዝጸንሐ ምሉእ ሓላፍነት ተዋሂቡዋ ኣሎ።

ኣብ ራብዓይ ወርሓ ድማ ምሉእ ጸብጻብ ናይቲ ፍጻሜ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ከተቕርብ’ያ።

ስርዓት በሺር ድሕሪ ምውዳቑ፣ ህዝቢ ሱዳን፣ ኣንጻር እቲ ስልጣን ክብሕት ዝወጠነ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን፣ ሓይልታት ጸጥታ ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ብውሕዱ 84 ሰባት ከምዝቐተሉ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ብዕጡቃት ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ፣ ሸለሊ ኢሉ’ዩ ክሓልፎ ወጢኑ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ድሕሪ ዝተኻየደ ሓያሎ ተቓውሞ ህዝቢ ሱዳን፣ ካብ ሲቪል ብዝተወከለ ካልእ ጉጅለ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ተመቓሪሑ፣ ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ብምጽራይ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ መስርሕ ተጀሚሩ ኣሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0