ነፈርቲ ውግእ ፈረንሳ፣ ኣብ ዶብ ቻድን ሊብያን ደብዲበን

ነፈርቲ ውግእ ፈረንሳ፣ ኣብ ዶብ ቻድን ሊብያን ደብዲበን

Radio Erena: 05 February 2019

ፈረንሳ፣ ካብ ሊብያ ናብ ቻድ ዝሰገሩ ሽበራውያን’ዮም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ዕጡቓት ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብሰንበት 3 ለካቲት፣ 40 ፒክ-ኣፕ ዝዓይነተን መካይን ካብ ሊብያ ናብ ቻድ ድሕሪ ምስጋረን፣ ብደብዳብ ነፈርቲ ከምዘዕነወን ጠቒሱ።

ፈረንሳ፣ ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሰሃራ ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ሽበራውያን ጉጅለታት ንምቁጽጻር፣ ብባርካን ዝፍለጥ ፍሉይ ኣሃዱ ኣብ ቻድ ኣዋፊራ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት፣ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ስደተኛታት ብምጭዋይ ዝእክብዎ ገንዘብ ኣብ ሽበራዊ ንጥፈታት ከምዘውዕልዎ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት፣ ብሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት በብእዋኑ ናብ ቻድ ክሰግሩ ጸኒሖም’ዮም።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0