ከሰላ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት በሺር ዝቐንዐ ሰፊሕ ተቓውሞታት ይቕጽል

ከሰላ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት በሺር ዝቐንዐ ሰፊሕ ተቓውሞታት ይቕጽል

Radio Erena: 05 February 2019

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት በሽር ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፍታት ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዳግም ተጎሃሂሩ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት በሽር፣ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ’ዩ።

ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን እቲ ዞባ፣ ንሰልፈኛታት ንምብታን ኣብ ዝተኮስዎ ጠያይቲ ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም ኣለዉ።

ህዝቢ ዞባ ከሰላ፣ ሓድሽ ማዕበል ተቓውሞ ኣንጻር ፕረዚደንት በሽር ዘጎሃሃረ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዞባ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ፣ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶብ ምስ ኤርትራ ከምዝተኸፍተ ድሕሪ ምሕባሩ’ዩ።

ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታትን ሕሰም መነባብሮን ዝተጎሃሃረ ናዕቢ ህዝቢ ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሽር ካብ ስልጣን ክወርድ እናጸውዐ ልዕሊ ሓደ ወርሑ ኣቝጺሩ ይርከብ።

ፕረዚደንት በሽር፣ ለውጢ ብሰለማዊ ሰልፊን ናዕብን ዘይኮነ ብምርጫ ጥራይ ክመጽእ ከምዝኽእል’ዩ ዝገልጽ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብዚ ናዕቢ ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ብዝሒ 24 ጥራይ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ግና ልዕሊ 50 ከምዝበጽሕ’ዮም ዘመልክቱ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0