ፈረንሳ፣ ኣብ ካሌ ተኣኻኺቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 800 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ግዒዞም

Radio Erena: 02 October 2020

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ወደብ ካሌ ክተኣኻኸቡ ዝጸንሑ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ከምዝተወስዱ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍሊጡ።

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር፣ ኣብታ ወደብ ዝተኣኻኸቡ ኣስታት 800ሓተቲ ዑቕባ፣ ብ29 መስከረም ብልዕሊ 30 ኣውቶቡሳት ተሰቒሎም፣ ናብ ዝተፈላለየ ማእከላት እታ ሃገር’ዮም ግዒዞም።

ኣብታ ከተማ፣ ልዕሊ 1200 ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ቴንዳታት ብምዝርጋሕ ክነብሩ እኳ እንተጸንሑ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ግና ምምሕዳር እታ ከተማ፣ ነቶም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ጎደናታት መግቢ ምዕዳል ደው ክብል’ዩ ወሲኑ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ሓደ ካብቲ ናብዚ ውሳኔ ዘብጽሐ ጉዳያት’ዩ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ሓተቲ ዑቕባ ንሓድሕዶም ዝገብርዎ ባእስን ኣምባጋሮን ንጸጥታ እታ ካተማ ክዘርግ ይርአ።

ኣብ ምሕጋዝ ሓተቲ ዑቕባ ክነጥፋ ዝጸንሓ ኣስታት 70 ትካላት ግብረ ሰናይን ኣስታት 250 ዝኾኑ ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ንውሳኔ እቲ ምምሕዳር ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ካሌ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2016 ዝተኻየደ፣ ኣስታት 10 ሽሕ ዝግመቱ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ምብታን መስርሕ፣ እዚ ናይዚ ሳልስቲ’ዚ ብዕብየቱ ካልኣይ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0