ፈረንሳ፣ ኣብ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትሕግዝ ምዃና ኣፍሊጣ

ፈረንሳ፣ ኣብ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትሕግዝ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 13 March 2019

ፈረንሳ፣ ኣብ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትተሓጋገዝ ምዃና ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣፍሊጡ።

ንሱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ዝገበሮ ስምምዓት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ምክልኻል ዘተኮረ ስምምዕ፣ ብቀንዱ ፈረንሳ ንኢትዮጵያ ኣብ ምቛም ሓይሊ ክትተሓጋገዛ ዕድል ዝህብ’ዩ ክብል ኣስሚርሉ።

እቲ ስምምዕ፣ ክልቲኤን ሃገራት ሓባራዊ ልምምድ ከካይዳ ዝፈቕድ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኢትዮጵያ ካብ ፈረንሳ ወትሃደራዊ ንዋትን መሳለጥያ ሓይሊ ባሕርን ክትሽምት’ውን ከኽእላ’ዩ።

ፈረንሳ ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ መደባት ዝውዕል ናይ ኣስታት 100 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ንኢትዮጵያ መዲባ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ናይ ቀደም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝነበሩ ዝርከብዎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳ ብምብጻሕ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ከምዝተዘራረቡ ኣይርሳዕን።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም እትጓየየሉ ዘላ ዕላማ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወትሃደራዊ ጽልዋ ክህልዋ ካብ ምድላይ ዝነቐለ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ይህብሉ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ጠቕሊሉ ከምዝተበታተነ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ነዚ ን27 ዓመታት ተበታቲኑ ዝጸንሐ ሓይሊ ባሕሪ ዳግም ንምቛሙ ትውጥን ዘላ፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ዘካየደቶ ንህዝቢ ግሉጽ ዘይኮነ ስምምዓት’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0