ፈረንሳ፣ ኣብ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትዋሳእ ከምእትኽእል ተገሊጹ

ፈረንሳ፣ ኣብ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትዋሳእ ከምእትኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 29 January 2019

ፈረንሳ፣ ኣብ ምህናጽ ናይቲ ከም ሓድሽ ዝቐውም ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትዋሳእ ከምእትኽእል ተሓቢሩ።

እዚ ዝሕበር ዘሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ላዕለዎት ወትሃደራውያን መኮንናት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ፈረንሳ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዶም’ዮም።

ኣብ ፈረንሳ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ኢንድያን ኦሻን ኒውስ ሌተር፣ ብዝዘርግሖ ዜና መሰረት፣ እቲ ናብ ፈረንሳ ዝበጽሐ ወትሃደራዊ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናይ ቀደም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ነበር ዝርከብዎም ወትሃደራዊ ኮሚተ’ዩ።

ዳግመ ስርርዕ ሰራዊት እተካይድ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ሓይሊ ባሕሪ ምቛም ካብ ኣውራ ቀዳምነታት ሰሪዓቶ ከምዘላ’ያ ትግለጽ።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓይሊ ባሕሪ ዳግም ንምቛሙ እትጓየየሉ ዘላ ዕላማ ንጹር ኣይኮነን።

ይኹን’ምበር፣ ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ምስ ማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ ጽልዋ ክትመልስ እንተኾይና፣ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ኣገዳሲ ምዃኑ’ዩ ሓቢሩ።

ኣብ 1930 ከምዝቖመ ዝንገረሉ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ከምዝተበታተነ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዝርከብ ሓወልቲ ላሊበላ ንምጽጋን ዘኽእል መጽናዕቲ እተዳሉ ኮሚተ ናብ ኢትዮጵያ ልኢኹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ፣ ኣብ ፈላም ናይ ኤውሮጳ ዑደቱ፣ ናብ ፈረንሳ ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ሓያሎ ስምምዓት ከምዝኸተመ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0