ዚምባብዌ፣ ዕዳጋታት ብዶላር ኣመሪካ ክካየድ’ዩ

ዚምባብዌ፣ ዕዳጋታት ብዶላር ኣመሪካ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 30 January 2019

ብዝቕባበን ቁጠባዊ ቅልውላውን እትሕመስ ዘላ ዚምባብዌ፣ ካብ 1 ለካቲት ጀሚሩ፣ ዕዳጋታት ብዶላር ኣመሪካ ክካየድ ፈቒዳ።

እታ ሃገር፣ ብሰንኪ ዝቕባበ ካብ 2009 ኣትሒዙ ካብ ዕዳጋ ተኣልዩ ንዝጸንሐ ባጤራኣ ንምብርባሩ ካብ 2017 ሓዲሽ ባጤራ ኣሕቲማ እኳ እንተዘርግሐት፣ ካልኣይ ዓመቱ ከይመልኣ’ዩ ዕዳጋ ምጽዋር ስኢኑ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እዚ ካብ ዓርቢ ኣትሒዙ ብዶላር ዝካየድ ዕዳጋ፣ ንፈተነን ግዝያዊን ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ዕዳጋታት እታ ሃገር ብዶላር ኣመሪካ ክካየድ ዝፈቅድ ዘሎ፣ መማህራንን ሓካይምን እታ ሃገር ውሰኽ ደሞዝ ብምጥላብ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

ኣቐዲሙ፣ እቲ መንግስቲ፣ ባጤራ ቻይና ክጥቀም ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ክጠቕሱ ጸኒሖም’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0