ፈረንሳ፣ ኣስታት ብርክት ዝበላ ነፈርቲ ውግእ ዝተሳተፍኦ፣ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣብ ጂቡቲ ኣካይዳ

Radio Erena:18 January 2022

ፈረንሳ፣ ዝተፈላለየ ነፈርሪ ውግእ ዝተሳተፍኦ፣ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣብ ጂቡቲ ከምዘካየደት ገሊጻ።

እቲ ራፋል፣ ሚራዥ፣ ከምኡ ድማ A330 ፈኒክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ዝተሳተፍኦ ልምምድ፣ ካብ ፈረንሳ ተበጊሱ፣ ናብ ደሴታት ረዩኒዮን ካብኡ ድማ ናብ ጂቡቲ ዝቐንዐ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ልምምድ ምዃኑ መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጂቡቲ ከምዝተኻየደ ዝተሓበረ ወትሃደራዊ ልምምድ ፈረንሳ፣ ልዕሊ 300 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ከምዝተሳተፍዎ ‘ዩ ተሓቢሩ።

ጂቡቲ፣ ነቲ ‘ስርሒት ሽክራ’ ዝብል ወትሃደራዊ ኮድ ዝተዋህቦ ልምምድ ዝመችአ መልክዓ ምድሪ ስለዘለዋ ከምዝተመርጸት ዝጠቐሰ መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ፣ ኣካል ናይቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ 2011 ዝኸተምኦ ወትሃደራዊ ውዕላት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ጂቡቲ፣ ኣስታት 1500 ወትሃደራት ፈረንሳ ዓስኪሮም ይርከቡ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0