ፈረንሳ፣ ንፈለማ እዋና፣ ሓንቲ ኤርትራዊት ናብ ኤርትራ ሰጕጓ

Radio Erena: 13 June 2019

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ንሓንቲ ኤርትራዊት ሓታቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ከምዝሰጎጓ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ፈረንሳ፣ ኤርትራዊ ዜግነት ንዘለዋ ሓታቲት ዑቕባ ክትሰጉግ ኣብዚ ልዕሊ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋና’ዩ።

እታ ብስጳኛ ከምዝኣተወት ዝተሓበረት ኤርትራዊት፣ ብ8 ግንቦት ኣብ ዶብ ፈረንሳ፣ ብፖሊስ ድሕሪ ምትሓዛ፣ ጉዳያ ብቤት ፍርዲ ክርአ’ዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ፣ ብ6 ሰነ ብመንገዲ ኣየር ቱርኪ ናብ ኤርትራ ተሰጉጓ።

ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሑዞም ምስጓግ ዝጽበዩ ዘለዉ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት፣ ናብ ኤርትራ ከይኣትዉ ፍቓድ ከልኪልዎም ከምዘሎ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

እዛ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኤርትራ ዝተሰጎገት ኤርትራዊት ግና፣ ናይ ኤርትራ ፖስፖርት ስለዝጸንሓ፣ ብዘይዝኾነ መሰናኽል ናብ ኤርትራ ክትስጎግ ከምዝኸኣለት ይግለጽ።

ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ ከይስጎጉ ዝብል መርገጺ ሒዛ ዝጸንሐት ፈረንሳ፣ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደትሉ ምኽንያት፣ ንተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ፈረንሳ ኣቖጢዑ ኣሎ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ፈረንሳ፣ እቲ መርገጺ ሕጂ’ውን ከምዘይተቐየረ ብምጥቃስ፣ እቲ ምስጓግ ናይዛ ኤርትራዊት፣ ዝተፈልየ ጉዳይ ምዃኑ ከረድእ ፈቲኑ።

ፈረንሳ፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ንዝተሰጎጉ ይኹኑ ናይ ኢጣልያ መንበሪ ፍቓድ ንዝጸንሖም እሞ ዝሓሸ ማሕበራዊ ሓገዛትን ካልእ ኣማራጺ ንምርካብን ንዝመጹ ኤርትራውያን፣ ን10 ዓመታት ዝጽንሕ ዑቕባ ክትህብ ምጽንሓ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዛየደን፣ ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ሰባት እናበዝሑ ብምኻዶምን፣ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብዛ ሃገር ሓደ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ክትዓት ኮይኑ ይርከብ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0