ሱዳን፣ ካብ ሰራዊትን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ዝተዋጽአ መሰጋገሪ ባይቶ ንኽቐውም ዘተ ክቕጽሉ ኣብ ስምምዕ በጺሖም

Radio Erena: 13 June 2019

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ወትሃደራዊ ባይቶን ፖለቲካውያን ውድባትን ክካየድ ድሕሪ ዝጸንሐ ናይ ምቅርራብ መስርሕ፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተዋጽአ መሰጋገሪ ባይቶ ንምቛም ዘተ ክቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ።

ክልቲኦም ወገናት ናብዚ ናይ ዘተ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዝግለጽ ዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ክልቲኦም ወገናት ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ፣ ብዝቐጸለ ናይ ስምምዕ ዘተ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ስምምዕ ዘተ፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝቖመ 15 ኣባላት ዘለውዎ ግዝያዊ ባይቶ ንምቛም’ዩ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ጸሓፊ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ዝነበረ ሱዳናዊ ፖለቲከኛ ዓብደላ ሓምዶቕ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ ዝቐውም ግዝያዊ ባይቶ ክኸውን ተረቑሑ ምህላዉ’ውን ምንጭታት ሱዳን ይገልጹ ኣለዉ።

እዚ ብመንጎኝነት ኢትዮጵያ ተበጺሑ ዝብሃል ዘሎ ስምምዕ፣ ነቲ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ከዝሕል ትጽቢት ከምዘሎ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ብዙሓት ሱዳናውያን ግና ኣብ ምጥርጣር’ዮም ዝርከቡ።

ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ነቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተራኸቡ መራሕቲ ተቓወምቲ ድሕሪ ምእሳሩ፣ ንገለ ካብኦም ናብ ደቡብ ሱዳን’ዩ ሰጕጉዎም።

ብመሰረት’ዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ፣ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ’ዮም።

ነታ ሃገር ኣልሚሱዋ ዘሎ ስራሕ ደው ናይ ምባልን ትካላት ናይ ምዕጻውን ተቓውሞታት ድማ ከብቅዕ ትጽቢት ይግበረሉ።

እንተኾነ፣ ብዛዕባ’ዚ ተበጺሑ ዝብሃል ዘሎ ስምምዕ፣ ብወገን ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0