ፈረንሳ፣ ንሱዳን ዘለቅሓታ 5 ቢልዮን ዶላር ሰሪዛትላ

Radio Erena: 18 May 2021

ፈረንሳ፣ ንሱዳን ዘለቅሓታ 5 ቢልዮን ዶላር፣ ከምዝሓደገትላ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዘፍለጠ፣ ሱዳን ንዘለዋ ናይ ኣስታት 60 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ንምስራዝን ቁጠባ እታ ሃገር ንምሕዋይ ድማ ኣብታ ሃገር ኣህጉራዊ ወፍሪን ንግዲን ክካየድ ንምትብባዕን ዘንቐደ፣ ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ብሰኑይ 17 ግንቦት ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደሉ’ዩ።

ፈረንሳ፣ ንሱዳን ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላራ ክትሕግዛ ምዃና ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ብሩኖ ለ መየር፣ ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

እቲ ፈረንሳ እተበርክቶ ሓገዝ፣ ሱዳን ንዘለዋ ኣስታት 60 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ፣ ንምኽፋል ክሕግዛ ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ፓሪስ ዋዕላ፣ ጀርመንን ኢጣልያን ብድምር 1.8 ቢልዮን ዶላር፣ ነርወይ 100 ሚልዮን ዶላር፣ ውህሉል ዕዳ ሱዳን ከምዝሰረዛ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ኣረጋጊጹ።

እታ ንሱዳን ዝበዝሐ ገንዘብ ዘለቕሓታ ሃገር፣ ኩዌት ኮይና፣ ነቲ በብእዋኑ ዝተዋህለለ 9.8 ቢልዮን ዶላር ዝተገመተ ሱዳን ክትከፍሎ ዘይክኣለት ዕዳ፣ ብኸመይ ይተሓዝ ኣብ ዝብል ክትዝቲ ቅርብቲ ኮይና ኣላ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ቀጠርን ካልኦት’ውን ተመሳሳሊ ስጉምታት ክወስዳ ተስፋታት ኣሎ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ብዝወደቦ ዋዕላ፣ ብድምር 22 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ሱዳን ክቓለል እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ ኣስታት 38 ቢልዮን ዶላር ምስ መሻርኽቲ ሃገራት፣ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ብዝካየድ ቀጻሊ ዝርርባት ብናይ ወፍርን ንግድን ዕድላት ንምፍትሑ ተክእሎ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0