ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ማራቶን ሚላን፣ ክልተ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዘሳትፈን ደረጃ ኣመዝጊበን

Radio Erena: 18 May 2021

ብ16 ግንቦት ኣብ ኢጣልያ፣ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ማራቶን ሚላን ዝተሳተፋ ኤርትራውያን ኣትሌታት ናዝሬት ወልዱን ኮኾብ ተስፋጋብርን፡ ናብ ውድድር ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ዘእትወን ሚኒማ፡ ማለት መምዘኒ ግዜ ረኺበን።

ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፣ ንናይ ማራቶን ርሕቐት ብ2 ሰዓታት፣ 28 ደቓይቕን 7 ካልኢታትን ብምዝዛም መበል 55 ደረጃ ክትስራዕ እንከላ መበል 58 ደረጃ ዝወጸት ኮኾብ ተስፋጋብር ከኣ፡ ካብ ናዝሬት 30 ካልኢታት ጥራይ ደንጉያ መዛዘሚ ሕንጻጽ ረጊጻ።

ኣብዚ ቅድድም፣ ክልቲኤን ኣትለታት፣ ነናይ ውልቀን ናይ ማራቶን ክብረወሰን ቅልጣፈአን ከመሓይሸን ክኢላነ ኣለዋ።

እዚ ብሰንበት ዘመዝገብኦ ግዜ ድማ ንውድድር ማራዮን ቶክዮ ዝበቕዕ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ንኤርትራ ወኪለን ናብ ጃፓን ከምርሓ እየን።

ንውድድር ማራቶን ሚላኖ፡ ኢትዮጵያዊት ሂወት ገብረኪዳን፡ ብ2 ሰዓታት፡ 19 ደቓይቕን፡ 34 ካልኢታትን ብምፍጻም ቀዳመይቲ ኮይና ክትዕወተሉ ከላ፡ ኬንያዊት ኣትሌት ራሄል ጀሙታይን፡ ባሕሬናዊት ኣትሌት ኡኒቸ ቸቢቺን ከኣ፡ ካልአይትን ሳልሰይትን ኮይነን ፈጺመንኦ።

ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ፣ ኤርትራ፣ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ፣ ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪን ብሽክለታን ክልቲኡ ጾታታት ክትሳተፍ’ያ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0