ጳጳስ ፍራንሲስ ሞት ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ንምግታእ ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ጸዊዖም

ጳጳስ ፍራንሲስ ሞት ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ንምግታእ ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ጸዊዖም

Radio Erena : 25 September, 2014

Pope francis

ጳጳስ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ፣ ሞት ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ንምግታእ ሃገራት ኤውሮጳ ብሓባር ክሰርሓ ጸዊዖም።

ጳጳስ ፍራንሲ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ብዝሒ ሞት ስደተኛታት፣ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ጥርዚ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ ግዜ’ዮም ነዚ ጻውዒት ዘቕርቡ ዘለዉ።

ንሶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ማሙቕ ቤቶም ራሕሪሖም ሰብኣዊ ክብሮም ናብ ዝሕለወሉ ሃገራት ንምብጻሕ ዝተበገሱ ስደተኛታት ግዳያት ባሕሪ ምዃኖም ከምዘሕዝን ብምጥቃስ፣ ሃገራት ዓለም ክሕእዝናሎም ጥራይ ዘይኮና ኣህጉራዊ ምትሕብባረን ከርእያ ተላብዮም።

 

ጳጳስ ፍራንሲስ፣ ንኩነታት እቶም ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ዝረገጹ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብኣካል ንምዕዛብ ናብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ላምፔዱሳ ከምዝበጽሑ’ውን ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ኣስታት60 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ፣ ልዕሊ 2500 ካብኣቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥሓሎም ጸብጻብ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት የመልክት።

መብዛሕቶም ግዳያት ባሕሪ ዝኾኑ ዘለዉ ስደተኛታት፣ ዜጋታት ኤርትራን ሶርያን ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፣ 40 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ደሃያ ጠፊኡ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ናይ ምድላይ መስርሕ የካይድ ከምዘሎ እኳ እንምተተግልጸ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኩነታታ ክፍለጥ ኣይከኣለን።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0