ጭፍራ መራኽብ ኵናት ቱርኪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሱዳን ተጸጊዐን

ጭፍራ መራኽብ ኵናት ቱርኪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሱዳን ተጸጊዐን

Radio Erena : 08 April 2015

Turship

ጭፍራ መራኽብ ኵናት ቱርኪ ናብ ፖርት ሱዳን ተጸጊዐን።

እተን ቁጽረን ብልክዕ ዘይተሓበረ ጭፍራ መራኽብ ኵናት ቱርኪ ትማሊ ናብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝተጸግዓሉ፣ ሓይሊ ባሕሪ ሱዳን ድሙቕ ኣቐባብላ ከምዝገበረለን ተሓቢሩ።

ዕላማ ዑደት መራኽብ ኵናት ቱርኪ ናብ ፖርት ሱዳን፣ ወትሃደራዊ ምሕዝነት ንምምስራትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ልምምድ ንምክያድን ምዃኑ ኣብ ካርቱም ዝመደበሩ ኤምባሲ ቱርኪ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እተን መራኽብ ኵናት ክሳብ ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ክሊ ማያት ሱዳን ክጸንሓ ምዃነን ዘረጋገጸ እቲ ኤምባሲ፣ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዑት መቐጸልታ ናይቲ ቱርኪ ኣብ ፓኪስታንን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ዝጀመረቶ ተመሳሳሊ ተልእኾ ምዃኑ ጠቒሱ።

ካብ ናይ ሱዳን ዜና ከይወጻእና፣ ሓፈሻዊ ምርጫ ሱዳን ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብን ኢጋድን ከም ተቖጻጸርቲ ብምዃን ነቲ ምርጫ ክከታተልዎ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ማሕበር ሃገራት ዓረብ 33 ተዓዘብቲ ከዋፍር ምዃኑ ከረጋግጽ እንከሎ፣ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ድማ 30 ኣባላት ናብ ሱዳን ብምልኣኽ ነቲ ምርጫ ክከታተሎ ምዃኑ ገሊጹ።

እቶም ካብ ትማሊ ኣትሒዞም ኣብ ሱዳን ዝዋፈሩ ዘለዎ ተዓዘብቲ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኢጋድን ኣብ ኩለን መድመጺ ነቑጣታት እናተዘዋወሩ ንፍትሓውነት እቲ ዝካየድ ምርጫ ክዕዘቡ’ዮም።

ምርጫ ሱዳን ሰኑይ 13 ሚያዝይ 2015’ዩ ክካየድ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0