ኣሽሓት የመናውያን ናብ ጅቡቲ ክስደዱ ጀሚሮም

ኣሽሓት የመናውያን ናብ ጅቡቲ ክስደዱ ጀሚሮም

Radio Erena : 08 April 2015

yemref

ኣብ የመን ካብ ዝቕጽል ዘሎ ጽዑቕ ደብዳብን ኵናት ሓድሕድን ዝሃደሙ ኣሽሓት የመናውያን ናብ ጅቡቲ ይኣትዉ ኣለዉ።

ሓደ ሚልዮን ዘይበጽሕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጅቡቲ፣ ካብ የመን ከጋጥማ ንዝክእል ዋሕዚ ስደተኛታት ብኣግኡ መፍትሒ ንምንዳይ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ህቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣብ ስደተኛታት ዝነጥፉ ትካላትን ዝርርብ ኣብ ምክያድ ትርከብ።

ግጭት የመን ካብዚ ዘለዎ እናበኣሰ እንተመጺኡ ድማ፣ ካብቲ ግጭት ዝሃድሙ የመናውያን ናብ ጅቡቲ ሶማልያን ኤርትራ ብብዝሒ ክውሕዙ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ።

 

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0