ጠመተ ሩስያ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይቕጽል

ጠመተ ሩስያ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይቕጽል

Radio Erena: 04 December 2014

Sudan Russ

ኣብ ወፍሪ ዕደናን ሸመተ ኣጽዋርን ዘተኮረ ጠመት ሩስያ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ይቕጽል ኣሎ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሩስያ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ወግዓዊ ናይ ስራዕ ምብጻሕ፣ ትማሊ ሮቡዕ’ውን ኣብ ሱዳን ተመሳሳሊ ዑደት ኣካይዱ።

 

ሚኒስተር ላቭሮቭ ኣብ ናይ ሱዳን ዑደት ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ተዘራሪቡ።

ዕላማ ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ ሩስያ ኣብ ሱዳን ብዝርዝር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክህሉ ብዛዕባ ዝክእል ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ምንባሩ’ዩ ዝግለጽ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኻርቲ ብዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ መሰረት ድማ፣ ኩባንያታት ሩስያ ኣብ ሱዳን ኣብ ዕደና ነዳዲ ዝዋፈራሉ ተኽእሎታት ከምዝዘተዩ’ውን ኣረጋጊጹ።

ሩስያ ብዘይካ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምስ ኤርትራ’ውን ኣብ ወፍሪ ዕደናን ሸመተ ኣጽዋርን ዘተኮረ ዝርርብ ምክያዳ ኣይርሳዕን።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ሩስያ ክልተ እዋናት ዑደት ብምክያድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሰርጌ ላቭሮቭን ካልኦት ሰበ ስልጣናታን ምዝርራቡ ይዝከር።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0