ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኦርታክ፣ ካብ ዓደግቲ ብርኪ 415 ሽሕ ዶላር ኣኪበ ይብል

ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኦርታክ፣ ካብ ዓደግቲ ብርኪ 415 ሽሕ ዶላር ኣኪበ ይብል

Radio Erena: 04 December 2014

Oratc

ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ኦርታክ፣ 415 ሽሕ ዶላር ካብ ዓደግቲ ብርኪ ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ ነቲ ድሮ ጀሚርዎ ዘሎ ዕደና ንምክያድ ነዚ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ካብ ዓደግቲ ብርኪ ከምዝኣከበ’ዩ ኣብ ናይ 2 ታሕሳስ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ኦርታክ፣ 18 ሚእታዊት ናይቲ ብናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ኣንድያሞ ዝውነን ፕሮጀክት ዕደና ያቆብ ደዋር ከምዝዓደገ ዝፍለጥ’ዩ።

 

ፕሮጀክት ያቆብ ደዋር ኣብ ከባቢ ሃይኮታ ዝርከብ ኮይኑ፣ ብክልተ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያታት (ኣንድያሞን ኦርታክን) ዕደና ወርቅን ነሓስን ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ’ዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0