ግጭት የመን ካብ ዝጅምር፣ ዝበዝሑ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ዝርከብዎም 10 ሽሕ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ኣትዮም

ግጭት የመን ካብ ዝጅምር፣ ዝበዝሑ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ዝርከብዎም 10 ሽሕ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ኣትዮም

Radio Erena: 16 July 2015

ethioyem

ግጭት የመን ኣብ ወርሒ መጋቢት ድሕሪ ምጅማሩ ጥራይ መብዛሕትኦም ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ዝርከብዎም ልዕሊ 10 ሽሕ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ወኪል እቲ ኮሚሽን ኣብ የመን ዮሃንስ ቫንደር ክሎው፣ ግጭት የመን ብ 26 መጋቢት ድሕሪ ምጅማሩ ኣስታት 10500 ሓደስቲ ስደተኛታት ከምዝመዝገቡ ብምርግጋጽ፣ ብሰንኪ እቲ ግጭት ነቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ከሰጋግርዎም ከምዘይክኣሉ ኣመልኪቱ።

 

ግጭት የመን ድሕሪ ምውልዑ፣ 51 ሽሕ የመናውያን ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ናብ ጅቡቲ፣ ሶማል፣ ዖማን፣ ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን ክስደዱ እንከለዉ፣ ብኻልእ ወገን ከኣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ 10 ሽሕ ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሶማልን ናብታ ሃገር ምእታዎም ከምዘተሓሳስብ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ የመን ኣብ መንጎ ግጭት ተቐርቂሮም ካብ ዝነበሩ ዜጋታቱ፣ ኣስታት 1500 ናብ ዓዶም ከምዝመለሰ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ በንጻር እዚ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ብቀይሕ ባሕሪ ናብ የመን ይስደዱ ኣለዉ።

መብዛሕትኦም ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ስደተኛታት ኣብ የመን ከምዘለዉ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።

ኣብታ ሃገር ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምለዉ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ብዝሖም ብንጹር ክፍለጥ ኣይከኣለን።

=====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0