ሶማልን ኬንያ ብዋንነት ክሊ ማይ ይሰሓሓባ

ሶማልን ኬንያ ብዋንነት ክሊ ማይ ይሰሓሓባ

Radio Erena: 16 July 2015

somke

መንግስታት ሶማልን ኬንያን ብጉዳይ ዋንነት ክሊ ማይ ኣብ ምስሕሓብ ኣትዮም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ብዛዕባ’ቲ ይግብኣኒ’ዩ ዝበሎ ሰፊሕ ክሊ ማይ ብዝምልከት ዘለዎ ጥርዓን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከምዘቕረበ’ውን እቲ ቤት ፍርዲ ኣረጋጊጹ።

እቲ ንሶማልን ኬንያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ክሊ ማይ ልዕሊ 100 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜተር’ዩ።

እቲ ክሊ ማይ፣ ዕቑር ሃብቲ ነዳድን ጋዝን ከምዘለዎ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት መጽናዕታት ድሕሪ ምምልካቱ’የን ክልቲኤን ሃገራት ብዋንነቱ ክስስሓሓባ ዝጀመራ።

 

ዳህሳስን ዕደናን ከካይዳ ዝወጠና ኣህጉራውያን ኩባንያታት ናብቲ ዋንነቱ ዘይተረጋገጸ ክሊ ማይ ከይኣትዋ ብክልቲኦም መንግስታት ተቓውሞታት ክርአ እኳ እንተጸንሐ፣ ኬንያ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ምስ ሓያሎ ኩባንያታት ስምምዕ ከምዝኸተመት ይግለጽ።

ኣኽባር ሕጊ ኬንያ ጊቱ ሙዉጋይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ክሊ ማይ ዝኾነ ዘሰሓሕብ ዘይብሉ ንጹር ክፋል ኬንያ’ዩ ክብል ነቲ መንግስቲ ሶማል ዘቕርቦ ጥርዓን ነጺግዎ።

ክልቲኦም መንግስታት፣ ጉዳያቶም ካብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ክፈትሑ ሓያሎ ኣማኸርቲ ርእይቶታቶም ይህቡ።

መንግስቲ ሶማል ናብቲ ፍርዲ ንዘቕረቦ ናይ ይግብኣኒ’ዩ ጥርዓን፣ ጉዳያት ናብ ምስማዕ ቅድሚ ምስጋሩ መንግስቲ ኬንያ ክሳብ 27 ግንቦት 2016 ምላሽ ክህበሉ፣ እቲ ኣብ ኔዘረላንድስ ከተማ ዘ ሄግ ዝመደበሩ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ ኣሎ።

መንግስቲ ኬንያ 150 ገጻት ዝሓዘ ምላሽ ኣዳልዩ ከምዘሎ’ውን ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

መስርሕ ፍርዲ ናይቲ ኣሰሓሒቡ ዘሎ ዋንነት ክሊ ማይ ክልትኤን ሃገራት ሓያሎ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ተንተንቲ ግምታቶም ይህቡ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0