ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበራ 8 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ን75 ዓመታት ክጥቀማሉ ዝጸንሓ ናይ ሓባር ባጤራ ከብቅዕ’ዩ

Radio Erena: 25 May 2020

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ፣ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበራ 8 ሃገራት፣ ን75 ዓመታት ክጥቀማሉ ዝጸንሓ ናይ ሓባር ባጤራ ከብቅዕ ምዃኑ ሃገራዊ ባንክ ፈረንሳ ኣፍሊጡ።

እቲ ምስ መንግስቲ ፈረንሳ ብምሽራኽ ን75 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሐ፣ CFA franc ዝተባህለ ባጤራ፣ ዘብቅዓሉ ናይ ግዜ መቓን ኣብ መስርሕ ከምዘሎ እቲ ባንክ ኣነጺሩ።

ነዚ ባጤራ’ዚ ክጥቀማ ዝጸንሓ 8 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሰኔጋል፣ ማሊ፣ ኣይቮሪኮስት፣ ቡርኪናፋሶ፣ ኒጀር፣ ቤኒን፣ ቶጎን ጊኒ ቢሳውን’የን።

እዘን ሃገራት ክጥቀማሉ ዝጸንሓ ናይ ሓባር ባጤራ፣ “ካብ ዝቕባበን ቁጠባዊ ውድቀትን ንምክልኻል” ተባሂሉ፣ ብሃገራዊ ባንክ ፈረንሳ ክመሓደር ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ቅሙጥ ትሕጃ ሃብቲ እዘን ሃገራት ኣብ ፈረንሳ ክተሓዝ ዘገድድ’ዩ።

እዚ ኣሰራርሓ’ዚ፣ ነዘን ሃገራት ካብ ገዛእተን ዝነበረት ፈረንሳ፣ ምሉእ ሓርነት ንኸይእውጃ ዝሓነቐ ቁጠባዊ ሰንሰለት’ዩ እናተባህለ’ዩ ዝውቀስ።

እንተኾነ፣ ድሕሪ ምብቃዕ እዚ ብሃገራዊ ባንክ ፈረንሳ ክመሓደር ዝጸንሐ ባጤራ’ውን እንተኾነ፣ እዘን ሃገራት ነናይ ውልቀን ይኹን ናይ ሓባር ባጤራ ብምቛም፣ ቁጠባዊ ተኣምር ክሰርሓ ዘሎ ተኽእሎ ውሑድ ምዃኑ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0