ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ኣባላት ሓደ ናይ ዕደና ኩባንያ ምዃኖም ዝገለጾም ሰለስተ ቻይናውያን ጅሆ ሒዙ ከምዘሎ ገሊጹ

Radio Erena: 20 May 2021

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፣ ኣብ ዕደና ናይ ዝተዋፈረ ኩባንያ ሰራሕተኛታት’ዮም ዝበሎም ሰለስተ ቻይናውያን ከምዝሓዘ፣ ንዝዘርግሖ መግለጺ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።

እቲ ግንባር፣ እቶም ቻይናውያን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ ምስቲ መዝማዚን መላኺን ዝበሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ከቲመን ዝመጻ ‘ዘይሕጋውያን’ ዝበለን ኩባንያታት ዕደና፣ ህዝቢ ኦሮሞ የፈናቕላን ከባቢታት ድማ ይብክላን ብምህላወን፣ ንጥፈታተን ደው ከብላ ጸዊዑ።

ኦነግ፣ እቶም ብ15 ግንቦት ዝሓዞም ስለስተ ቻይናውያን፣ ዝሰርሑላ ዝነበሩ ናይ ዕደና ኩባንያ ኣይጠቐሰን።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ እቲ ብኦነግ ሸኔ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ዘካየዶ ወትሃደራዊ ስርሒት፣ ሓለፊ ጸጥታ ናይቲ ከባቢ ነበርን ክልተ ዓጀብቱን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝቐተለ ተሓቢሩ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ንናጽነት ክልል ኦሮምያ ከምዝቓለስ ዝገልጽ ኦነግን ህወሓትን፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ከም ሽበራዊ ጉጅለታት ከምዝፈልጦም ምግላጹ ይዝከር።

እንተኾነ ነዞም ከካብ ህዝቦም ሓያሎ ደገፍ ከምዘለዎም ዝንገረሎም ክልተ ዕጡቓት ውድባት፣ ብሽበራ ምውንጃሎም፣ ኢትዮጵያ ንዘላቶ ሰንኮፍ ናይ ጸጥታ ኩነታት ዘጋድድ ደኣ’ምበር ዘፋዅስ ከምዝይኮነ ተንተንቲ የረድኡ።

ስእሊ፣- ምስዚ ማህደር ሰዲደልካ ኣለኹ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0