ግብጽን ፈረንሳን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካዪደን

Radio Erena: 13 March 2022

ግብጽን ፈረንሳን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካዪደን።

ወሃብ ቃል ሰራዊት ግብጺ ጋሪብ ዓብደል-ሓፊዝ ብዕለት 10 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳን ግብጽን ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ፣ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ካብ ምዕዛዝ ሓሊፉ፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ጸጥታ ኣብ ምስፋን ሓጋዚ ከምዝኸውን ገሊጹ።

እቲ ወተሃደራዊ ልምምድ፣ ምምካት ተኸታታሊ መጥቃዕታት፣ ምውህሃድ ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን፣ ምልእኣኽ ስለያዊ ሓበሬታ ዘጠቓለለ ምንባሩ፣ እቲ ወሃብ ቃል ገሊጹ።

ዞባ ቀይሕ ባህሪን ወሽመጥ ዓደንን፣ በቲ መስመር ንዝተሓላለፍ ጽዕነት ነዳዲ፣ ካብ ቅርሰና ባሕሪ ንምክልኻል ብዝብል ምኽኒያት፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ቻይናን ዝርከብአን ሓያላት ሃገራት ሰራዊተን ኣዋፊረን ይርከባ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ግብጽን ፈረንሳን ተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካዪደን ኔረን።

 

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0