ግብጽን ኬንያን ካብ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ሩዋንዳ 2016 ስሒበን

Radio Erena: 14 November 2016

Tour Rwa

ትማሊ ሰንበት 13 ሕዳር ኣብ ዝጀመረ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ሩዋንዳ 2016፣ ሃገራውያን ጋንታታት ግብጽን ኬንያን ከምዘይተሳተፋ ተፈሊጡ።

ኣብ ዙር ሩዋንዳ 2016፣ ኤርትራ እትርከበን ሸሞንተ ሃገራውያን ጋንታት ኣፍሪቃን ትሽዓተ ከኣ ናይ ውልቂ ክልባትን ክሳተፋ ምዃነን፣ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ሩዋንዳ ኣፍሊጡ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ቅድድም ሓደ መዓልቲ ምስተረፎ ግና ኬንያን ግብጽን ኣብቲ ቅድድም ከምዘይሳተፋ ምሕባረን እቲ ፈደረሽን ኣብ መወዳእታ ሰዓት ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ሩዋንዳ፣ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ግብጽን ኬንያን ኣብቲ ቅድድም ከምዘይሳተፋ ከረጋግጽ እንከሎ፣ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ከምዘይሳተፋ ዝሓበራሉ ምኽንያት ግና ኣይገለጸን።

ሃገራውያን ጋንታታት ግብጽን ኬንያን፣ ኣብዚ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅድድም ብሽክለታ ዝኾነ ዙር ሩዋንዳ ብሃንደበት ካብ ምስታፍ ዘቋረጻሉ ምኽንያት ዛጊት ኣይተነጸረን።

እንተኾነ፣ ሓደ ሓደ እዋን፣ ጋንታታት ብሰንኪ ስእነት ምውላ ወይ ዋሕዲ ፊናንስ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ከምዘይሳተፋ ከምዝሕብራ ፈደሬሽን ቅድድም ብሽክለታ ሩዋንዳ የመልክት።

ትማሊ ሰንበት 13 ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ 20 ሕዳር 2016 ዝቕጽል፣ መበል ሻሙናይ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ሩዋንዳ፣ ኤርትራ እትርከበን ሹዱሽተ ሃገራውያን ጋንታታትን ትሽዓተ ናይ ውልቂ ክለባትን ክቀዳደማ እንከለዋ፣ ሓሙሽተ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሰለስተ ድማ ምስ ክልተ ናይ ውልቂ ክለባት ብምጽንባር ፣ ብድምር ሸሞንተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለዉ።

ዙር ሩዋንዳ ትማሊ ሰንበት ፍርቒ መዓልቲ ብናይ 3.3 ኪሎ ሜትር ውድድር ግዜ (ክሮኖሜትር) ኣብ ዝተኸፍተሉ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ፡ ኣማኑኤል ገብረእዝግኣብሄር፡ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ብምዝዛም፣ ወናኒ ን”ብሉጽ መንእሰይ” ዝወሃብ ጻዕዳ ማልያን፡ ን”ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ” እትዕድል ቀጠልያ ማልያን ኮይኑ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0